top of page
IMG_9954.JPG.jpg

WELCOME TO
SHALOM CHURCH CANADA

Eritrean Church based in Kitchener, Ontario, Canada . Shalom Worship and Healing Center 
ከምቲ ኣብ ሓደ ስጋ ብዙሕ ኣካላት ዘሎና እሞ፡ ብዘሎ ኣካላት ከኣ ተግባሩ ሓደ ዘይኰነ፡ ንሕና ብዙሓት ከኣ ከምኡ ብክርስቶስ ሓደ ስጋ ኢና፡ በብሓደ ግና ነንሓድሕድና ኣካላት ኢና።

ሮሜ 12፡4-5

ሻሎም ኣምልኾን ፈውስን ቤተክርስትያን፡ "ማሕበር ኣምላኽ ዓያይን ተዓዛባይን ዘለዎ መድረኽ ዘይኮነ፡ ኩሉ ከም ዝተዋህቦ መስፈር ጸጋ ተኾሊዑ ናብ ዝወጻሉ ምንባር ክሰጋገር ኣለዎ።" ዝብል ምርዳእ ሒዛ፡ ንኹሉ ተሳትፍን ተበራትዕን ዘላ ኣካል ክርስቶስ እያ። እዛ ብቑዕ ወደመዝሙር ክርስቶስ ንምፍራይ ዝዓጠቐት ቤተ-ክርስትያን መሓውራታ ዘርጊሓ ብኹሉ ኣንፈት ናብ ምዕባይ ትርከብ። ኩሉ ኣባል እዛ ቤተክርስትያን እዚኣ ዋኒኑ ዕዮ ኣምላኽ ብምዃኑ ኣብ ልቢ ብዙሓት ከቢዱ ዝተፈላለየ ደጌታት ተራሕዩሉ ዘዝኽእሎ ኣብ ምግባር ይርከብ ኣሎ።

ገና ነቲ ወንጌል ዘይሰምዐ ወንጌል ንምብሳር፡ "ክሳብ ወሰን ምድሪ ምዝርጋሕ!" ዝብል ድርኺት ሒዛ ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ ንምስፋሕ ኣሐይላ ኣብ ጸዓት ትርከብ።

bottom of page