top of page
picnic.jpg

ABOUT US

ሻሎም ቤተክርስትያን ካበይ ናበይ

ነቲ ካብ እግዚኣብሄር ብንጹር ዝተቐበሎ ራእይ ንዕዮ ንምድላው ኣብ ከተማ ኪችነር ብቋንቋ ትግርኛ እተገልግል መንፈሳዊት ማሕበር ንምትካል ምስቶም መጀመርያ ዝረኸቦም ኣገልገልቲ ብምልዛብ፡ በዓል ራእይ ኣገልጋሊ ዮናታን ኣብራሃም ምስ በዓልቲ ቤቱ ሶሱና ሳሚኤል፡ 11 ዝኾኑ ኣባላት ኣብ ዝተኣከብሉ ኣጋጣሚ ምትካል እዛ ቤተ-ክርስትያን እዚኣ ብወግዒ ኣወጀ። እቲ ቀንዲ ራእይ ብሓቀኛ ትምህርቲ ኣምልኾ ንወለዶ ፈውሲ ምዃንን ምምጻእን ብምዃኑ እቶም መተዓይይቱ ሻሎም ንወስከላ ብምባል ሓቢሮም ሻሎም ኣምልኾን ፈውስን ቤተክርስትያን ትኹን ተባህለት። 

እቲ ባይታ ዝደሊ ራእይ፡ ተግባራዊ ክኸውን ብዙሕ ክኽየድ ዘለዎ ከምዘሎ ዝተገንዘበ ኣገልጋሊ ዮናታን፡ ካብቲ ግዜ እቲ ንደሓር ኣብቲ ብዙሕ ዕዮ ዘድልዮ ግራት ኣምላኽ ምስቶም ኣገልገልቲ ንምግጥጣምን ንምዕያይን ንርእሱ ካብ ቅድም ኣብሊጹ ወፈያ። ኣገልጋሊ ዮናታን ኣብተን ዝሓለፋ ዓመታቱ ጾር ቤት ኣምላኽ እምበር ንመሪሕነት ዝሕልነሉ መድረኽ ኣይነበረን። እንተኾነ ግና ዋዕን ዛሕልን ኣብ ዘለዎ መድረኻት ኣብቲ ኣምላኽ ዝበሎ ኣቶዂሩ ክዓይ ከምዘለዎ ምስ ርእሱ ቃል ኣትዩ ቀጸለ። ንበዓል ራእይ ኣገልጋሊ ዮናታን ዝተቐባበልዎን የማናይ ኢዶም ዝሃቡዎን ኣገልገልቲ ነቲ ሕጂ እዛ ማሕበር ሒዛቶ ዘላ መልክዕ ክትሕዝ ብዘይ ውልውል ዓቢ ኣበርክቶ ገይሮም እዮም። ሕጂውን እንተኾነ ኣብ ዙርያ መሪሕነት ቤተ-ክርስትያን ዘለዉ ኣገልገልቲ ርእሶም ንኣምላኽ ዝሃቡን ስለ ማሕበር ኣምላኽ ግዲ ዝብሎም ኣሕዋት ብምዃኖም ጽልውኦም ቀሊል ኣይኮነን። 

ምውህሃድ እዞም መራሕቲ እዚኦም ዝፈጠሮ ቅኒት እታ ማሕበር እምበኣር ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣዝዪ ቅልጡፍ ለውጢ እናምጽአት እታ ብውሑድ ቁጽሪ ኣሕዋት ዝጀመረት ቤተ-ክርስትያን ቅልጡፍ ዕቤት ኣርኣየት። ጎኒ ንጎኒ እዚ ምዕባሌታት እዚ ድማ ሰረተ-እምነት ቤተ-ክርስትያን ረቒቑ ጸደቐ። ዓሰርተ ሓደ ክፍልታት ምስ ከከልተ ተወከልቲ ዘለዎም ጉባኤ ኣገልገልቲ፥ ሓሙሽተ ላዕለዋይ መሪሕነትን ሓደ ናይ ምሉእ ግዜ ጓሳ ማሕበርን ዝርከብዎ ናይ ኣገልግሎት ደጌታት  ተራሕወላ። ብበዓል ራእይ ዚመጸ ኣብቶም ቀዳሞት መራሕቲ ዝነበረ ምርድዳእ “ካብ ስም፡ ኣገልግሎት ይቐድም።” ዝብል ቴማ ሻሎም ቤተ-ክርስትያን ኣብ መበል ሻብዓይ ዓመታ ጓሳ ማሕበር ሸመት። 

እዛ ብቑዕ ወደመዝሙር ክርስቶስ ንምፍራይ ዝዓጠቐት ቤተ-ክርስትያን መሓውራታ ዘርጊሓ ብኹሉ ኣንፈት ናብ ምዕባይ ትርከብ። ዝተፈላለየ ደጌታት ተራሕዩ ኩሉ ብዝኽእሎ መናድቕ ኣብ ምንዳቕ ተጸሚዱ ይርከብ ኣሎ። ዕዮ ኣምላኽ ብምዃኑ ኣብ ልቢ ብዙሓት ከቢዱ ኩሉ ዘዝእእሎ ይገብር ኣሎ። ሻሎም ቤተ-ክርስትያን ኣብ ማእከል እዚ ብዙሕ ዝዓይነቱ እተጠናነገ ህይወት ነጸብራቕ ኣምላኻዊ ህይወት ንምንጽብራቕ መሰረታ ኣጽኒዓ ትርከብ ኣላ። ኣብ 2001 ዓ.ም.ኣብ ከተማ ኪችነር ኣሃዱ ኢላ ዝጀመረት ሻሎም ኣምልኾን ፈውስን ቤተ-ክርስትያን ኣብ ቅድሚኣ ክትበጽሖ ዘለዋ ብዙሕ ነገራት ከምዘሎ ብምግንዛብ ዶባታ እናስፍሐት ቀዳምነታታ ኣብ ምንጻር ትርከብ ኣላ። እቲ ብኣስታት 11 ሰባት ዝጀመረ ቁጽሪ ኣባላት እዛ ቤተ-ክርስትያን እዚኣ ድሮ ብዘይ ደቅና ናብ ኣስታት 300 በርኪቱ ይርከብ ኣሎ። ኣብ ካልኦት ኣርባዕተ ከተማታት ጨናፍር ብምኽፋት ድማ ብሓፈሻ ሓሙሽተ ቤተ-ክርስትያናት ኣብ ምምሕዳር ትርከብ ኣላ። 

ማሕበር ኣምላኽ ዓያይን ተዓዛባይን ዘለዎ መድረኽ ዘይኮነ፡ ኩሉ ከም ዝተዋህቦ መስፈር ጸጋ ተኾሊዑ ናብ ዝወጻሉ ምንባር ክሰጋገር ከምዘለዎ ተረዲኣ ድማ ንኹሉ ተሳትፍን ተበራትዕን ኣላ። ገና ነቲ ወንጌል ዘይሰምዐ ወንጌል ንምብሳር ከኣ ኣሐይላ ኣብ ጸዓት ትርከብ። 

መራሕቲ ቤተክርስትያን
IMG-20210627-WA0004.jpg
ፓስተር ዮናታን ኣብርሃም
IMG_1645.jpg
ሽማግለታት ቤተክርስትያን
ጨናፍር ቤተክርስትያን (Church Branches)
  1. Shalom church Guelph

  2. Shalom church Windsor

  3. Shalom church St. Catherine

  4. Shalom church Kingston

bottom of page