top of page
pic 2_edited.jpg

OUR MINISTRIES

IMG_8093.JPG

ክፍሊ ኣገልግሎት ህጻናት (Kid's Ministry)

ሻሎም ክፍሊ ኣገልግሎት ህጻናት፡ ከም ካልኦት ክፍልታት ሻሎም ናይ ኣምልኾን ፈውስን ቤተ ክርስትያን ካናዳ፡ ከም ክፍሊ ዝቖመ ኮይኑ፡ ኣብዚ ቤተ ክርስትያን ንዘልዉ ኩሎም ህጻናትን ትሕቲ ዕድመ መንእሰያትን ብኹሉ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ሓሳብን ራእይን ሙሉኣትን ርዱኣትን ንምግባር ብብዙሕ ጻዕሪ ንምግልጋል ዝዓዩ ክፍሊ እዩ።  እዚ ክፍሊ ኣገልግሎት እዚ ኣብ ትሕቲ ተጸዋዒ ላዕለዋይ ክፍሊ ምምሕዳር ቤተ ክርስትያን ተጠርኒፉ ዝዓዩ ኮይኑ፡ ናይ ባዕሉ ብቀዳማይን ካልኣይን ተጸዋዕቲ እናተመርሐ ዝዓዪ ኣካል ቤተ ክርስትያን እዩ። 

እዚ ክፍሊ ኣገልግሎት እዚ ኣባላትን መምሃራንን ዘለውዎ ኮይኑ፡ ብኣርባዕተ ደምብታት ብዕድመ ተኸፋፊሉ ከኣ ንጥፈታቱ የካይድ። ንሳቶም ድማ፡ መንእሰያት ብሪጅ፡ ጢሞቴዎስ፡ ዘሩባቤልን ህጻናት ትሕቲ 4 ዓመትን እዮም። ነፍሲ ወከፍ ደምበ ናይ ገዛእ ርእሳ መንፈሳውን ዝተፈላለየ ንጥፈታት ዝካየደሉ መዓልትን ሰዓትን ዘለዋ ኮይኑ፡ ደቅና ናይ እግዚኣብሄር ተብሂሎም እተሰምዩ ወለዶ(ሕሩይ ወለዶ) ኮይኖም ክጽውዑ ዝዓዩ ክፍሊ ኣገልግሎት እዩ።

ክፍሊ መንእሰያት
(Youth Ministry)

ወለዶ ኢያሱ (Jeshua Generation)

ወለዶ ኢያሱ ሻሎም ኣምልኾን ፈውስን ቤተክርስትያን ልዕሊ 50  መንአሰያት ዝሓቖፈት ክፍሊ ኮይና ኣብ ሰሙን 2 ግዚ ስሩዕ መደባት ኣለዋ፥

ኩሉ ግዜ ሮቡዕ ካብ ሰዓት 7:00 ድ.ቀ. ዝጅምር ክሳብ ናይ ጸሎት፣ ኣምልኾ፣ መዝሙርን፣ ናይ ቃል ኣምላኽን ግዜ ብምስራዕ ንኹሎም መንእሰያት ኣባላታ ተሳትፍ። 

ኣብ ክልተ ሰሙን ሓንቲ ቀዳም፡ ካብ ሰዓት 6:00 ዝጅምር ናይ ጸሎት፣ መዝሙርን ከምኡውን ናይ መጽሓፍ-ቅዱስ መጽናዕቲ ትገብር። ነፍሲወከፍ ሰብ በቲ ዝተውህቦ መጽሓፍን ምዕራፍን ኣጽኒዑ ይመጽእሞ ኣብ ጉባኤ ይገልጽ። ኣብ ወርሒ ሓንሳብ ድማ ሓዳሪ ጸሎት እንዳሰርዐት ኣገልግሎታ ኣብ ምፍጻም ትርከብ። 

ብተወሳኺ ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ናይ ምዝዋር (picnic) መደብ ኣውጺኣ ናይ ምዝንጋዕን ካልእ ዝተፈላለየ ንጥፈታት ዝርከቦ ዕደት ትገብር።

IMG_3703 (2).JPG.jpg
IMG_1826.jpg

ክፍሊ ሰብ-ሓዳር (Families Ministry)

ክፍሊ ሰብ-ሓዳር፡ ከም ካልኦት ክፍልታት ሻሎም ናይ ኣምልኾን ፈውስን ቤተ ክርስትያን ካናዳ፡ ከም ክፍሊ ዝቖመ ኮይኑ፡ ኣብዚ ቤተ ክርስትያን ንዘሎ ኩሉ ሓዳር ንምግልጋል ዝዓዩ ክፍሊ እዩ።  እዚ ክፍሊ እዚ በቲ ቃል ኣምላኽን ማሕበርን ሓላፍነት ዝሃብዎ ምርኩስ ብምግባር፡ ብኹሉ መዳይ ማለት መንፈሳውን ነፍሳውን ስጋውን፡ ዕላማ ዝገበረ፡ ጥዑይን ምዕሩግን ክርስትያናዊ ቤተ ሰብ ንኽህልዎ ንኣባላት ማሕበር ከገልግል ዝቖመ እዩ። 

እዚ ክፍሊ ኣገልግሎት እዚ ኣብ ትሕቲ ተጸዋዒ ላዕለዋይ ክፍሊ ምምሕዳር ቤተ ክርስትያን ተጠርኒፉ ዝዓዩ ኮይኑ፡ ናይ ባዕሉ ብቀዳማይን ካልኣይን ተጸዋዕቲ እናተመርሐ ዝዓዪ ኣካል ቤተ ክርስትያን እዩ።  እዚ ክፍሊ እዚ ኣባላት ዘለውዎ ኮይኑ፡ ብሰለስተ ደምብታት ከኣ ንጥፈታቱ የካይድ። ንሳቶም ድማ፡ ደምበ ትምህርቲ፡ ደምበ ጉስነትን ምኽርንን ደምበ ጸሎትን ወይ ጉጅለ ኤጳፍራስን እዮም። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓርቢ ብዝግበር ናይ ጸሎትን ቃልን ኣገልግሎት ምስ ኩሉ ህዝቢ ብናይ ክህንነት ዕዮ ዝዓዩ ዘሎ ክፍሊ ኣገልግሎት እዩ።

ክፍሊ ደቂ-ኣንስትዮ
(Women's Ministry)

ክፍሊ ደቀንስትዮ ሻሎም ኣምልኾን ፈውስን ቤተክርስትያን ኣስታት 100 ዝኾና ኣባላት ዝሓቖፈት ክፍሊ ኮይና ኣብ ወርሒ ሓንሳብ ናይ ወጋሕታ ጸሎት ሰሪዓ ስለ ብዙሕ ኣርእስታት ትጽሊ። ኣብ ዓመት ሓንሳብ ድማ ንሰለስተ መዓልቲ ዝቕጽል ኮንፈረንስ ትሰርዕ። እዛ ክፍሊ እዚኣ ከም ኩለን ካልኦት ክፍልታት ኣብ ኩሉ ንጥፈታት ናይ ቤተክርስትያ ብንጥፈት ትዋሳእን ትሳተፍን። ኣብ ውሽጥን ወጻእን ንዘለዎ ጽጉማት ናይ ምርዳእን ምሕጋዝን መደባት ድማ ተካይድ። 

IMG_7246.JPG.jpg

ክፍሊ ሚድያ
(Media Ministry)

ክፍሊ ሚድያ ብ20 ኣባላት ዝቖመት ክፍሊ ኮይና ኣብ ሻሎም ኣምልኾን ፈውስን ቤተክርስትያን ንዝግበር ንጥፈታት ኣብ ምስናድ፡ ቀጥታዊ መደባት ኣብ ምፍናው፡ ከምኡውን ካልእ ዝተፈላለየ ኣገልግሎታት ኣብ ምሃብ እትዓዪ ክፍሊ እያ። 

ብሓገዝ ክፍሊ ሚድያ ክሳብ ሕጂ ፈነወታት ሻሎም ኣምልኾን ፈውስን ቤተክርስትያን ብZoom: Facebookን YouTubeን ብቐጥታ ብምትሕልላፍ ዶባታ ኣስፊሓ ብኣካል ክሳተፍ ንዘይክእል  ሕብረተሰብ ኣብ ምግልጋል ትርከብ። በዚ መደባት እዚ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዝርከብ ተኸታታሊ ሻሎም ኣምልኾን ፈውስን ቤተክርስትያን ተጠቃሚ ናይዚ በረኸት እዚ ኮይኑ ኣሎ። 

ሚድያ ኣብ ምዝርጋሕ ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ ዓቢ ተራ ይጻወት ከም ዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ነዚ ሓቂ እዚ ብምርዳእ፡ ሻሎም ሚድያ ምዝርጋሕ ወንጌል ከም ሕመረት ኣገልግሎታ ብምሓዝ ኣብ ቤተክርስትያንና ንዝግበር ንጥፈታት ኩሉ ብተወፋይነት ኣብ ምዕያይን ምዝርጋሕን ትርከብ።  

ክፍሊ ጸሎት
(Prayer Ministry)

ክፍሊ ጸሎት ሻሎም ኣምልኾን ፈውስን ቤተክርስያን ኣስታት 47 ኣባላት ዝሓቖፎት ጉጅለ ኮይና አብ ሰሙን ክልተ ግዜ ቀዋሚ መደባት ብምስራዕ ጾር ተስኪማ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እናቐረበት ስለ ቤተክርስትያን፡ አገልገልቲ፡ ህጻናት፡ ሓዳር፡ ሃገርን፡ ካልኣ አርእስታትን ቀንዲ ዛዕባ እናገበረት ከየባተኸት ትጽሊ። 

ብዘይካ እዚ፡ ኣብ ኩሉ ዝግበር ሰሙናዊ መደባት ቤተክርስትያን፡ ጸለይቲ ብምምዳብ ፕሮግራም ቅድሚ ምጅማሩ ሓጺር ናይ ጸሎት ግዜ ሰሪዓ፡ መደባት ናይ ቤተክርስትያን ትጅምር። ብተወሳኺ በብእዋኑ ንዝስራዕ ናይ ጾምን ጸሎትን መደባት ተመሓድርን ስለ ኩሉ ኣገልግሎታት ትጽልን።

IMG_0494.JPG.jpg
bottom of page